ሃፍትታት ባህላዊ ስፖርት ብምልማዕን ብምስፍሕፋሕን ንህንፀት ምስሊ ሃገር ንምውዓል ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-እቲ ፌዴሬሽን - ኢዜአ ትግርኛ
ሃፍትታት ባህላዊ ስፖርት ብምልማዕን ብምስፍሕፋሕን ንህንፀት ምስሊ ሃገር ንምውዓል ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-እቲ ፌዴሬሽን

ሆሳዕና/መጋቢት/ 8/2017 (ኢዜኣ) ሃፍትታት ባህላዊ ስፖርት ብምሕላው፣ብምልማዕን ብምስፍሕፋሕን ንህንፀት ምስሊ ሃገር ንምውዓል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ፌዴሬሽን ባህላዊ ስፖርትታት ኢትዮጵያ ገሊፁ።
“ባህላዊ ስፖርትታት ንጠንካራ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሆሳዕና ክካየድ ዝፀንሐ መበል 22 ውድድር ሃገር ለኸ ስፖርትታት ባህሊን መበል 18 ፌስቲቫል ስፖርት ባህልን ተዛዚሙ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ባህላዊ ስፖርትታት ኢትዮጵያ ወይዘሮ ህይወት መሀመድ ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ታሪኻትን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ፀጋታትን ዘለውዋ ሃገር እያ።
ካብዞም ባህላዊ ፀጋታት ድማ ባህላዊ ስፖርትታት ከምዝርከብዎም ብምሕባር፤ ትሕዝቶ ምድግጋፍን ሰናይ ፀጋታትን ዘለዎም ሃፍትታት ባህላዊ ስፖርትታት ብመፅናዕቲ ብዝተደገፈ ንምልማዕ፣ንምስፍሕፋሕን ንምልላይን እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢለን።
ባህላዊ ስፖርትታት ንምጥንኻር ውድድራት ካብ ምክያድ ብተወሳኺ መርሃ ግብሪ ስነ ስርዓት ውድድር ንምድላውን እቲ ባህሊ ንምልማዕን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፀን።
ሓላፊ ፌዴሬሽን ባህሊ ስፖርት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣብዲሳ ታዬ ብግደኦም፤ በቢከባቢኡ ሓድነትን ምትእስሳርን ዘጠናኽሩ ስፖርትታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ኣብ መንጎ ዜጋታት ሓድነት፣ምትእስሳርን ሰላምን ንክቕፅል ከም ስፖርትታትን ፌስቲቫልን ባህሊ ዝበሉ መርሃ ግብርታት ዝለዓለ ረብሓ ስለዘለዎም ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም።
ኣባል ኣመራርሓ ፌዴሬሽን ባህሊ ስፖርትታት ክልል ኣምሓራ ኣይተ ባይነሳኝ ዘገየ፤ ከም ሃገር ነንባዕልኻ ዘተኣሳስሩ ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ሃፍትታትን ፀጋታትን ከምዘለዉ ኣረዲኦም።