ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 53 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 53 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/8/ 2017 /ኢዜአ/ መንግስቲ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ጠመተ ሂቡ ብምንቅስቓስ ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 53 ኢትዮጵያዊን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምግባሩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡፡
እቶም ኢትዮጵያዊያን ካብ ማዕገትቲ ወፀኦም ኣብ ወተሃደራዊ ካምፕ ታይላንድ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡
ብመሰረት እዚ፥ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምዝርራብ ትማሊ 23 ዜጋታት ከምኡውን ሎሚ 30 ዜጋታት ብድምሩ ኣብቲ ካምፕ ዝነበሩ 53 ዜጋታት ንክምለሱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ክሳብ ሕዚ ካብ ማይናማር ዕገታ ወፂኦም ኣብ ወታደራዊ ካምፕ ታላንድ ዝነበሩ ብፈላማይን ካልኣይን ዙር ብድምር 130 ዜጋታት ምምላስ ከምዝተኸኣለ ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡