ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ካብ መንጎ ብርክት ዝበሉ ሃፍቲታት ቱሪስት ኢትዮጵያ ብጥንታዊ መንደቕ ዝተኸበበት ታሪካዊት ከተማ ሃረር እታ ሓንቲ ኢያ።

አንፈት ምብራቐ  ሃገርና እትርከብ ከተማ ሃረር ካብ 13 ክሳብ 16 ክፍለ ዘበን ብዝተሃነፁ ጥንታዊ ህንፃታት ዝተኸበበት፣ በእስልምና ዝተኸበረት፣ ብታሪኽን ባህልን ሃፍታም ከተማ ኢያ።

 ኣብ ውሽጢ እቶም ህንፃታት 82 መሳጊድን 102 ቅዱሳን ስፍራታት እስልምናን ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ልዑል ቁፅሪ መሳጊድ ካብ ዘለዎም ቦታታት ሓንቲ ክትከውን ይገብራ።

ዕሙር ዕዳጋ ሃረርን ፍሉይ መልክዕ ስነ ህንፃን ኣብ ምእተ ዓመት ዝዘለቐ ናይ ነባራት ምብራቕ ኣፍሪካ ማእኸል ዕዳጋ ዘንፀባርቕ ኢዩ። እዚ ቀንዲ ቀንዲ ኣፍልጦ ባህሊ ብምሃብ እውን ዩኔ.. ኣብ 2006 .. ንጀጎል ዓለም ለኻዊ ቅርሲ ገይሩ መዝጊቡዎ።

በፃሕቲ ኣብቲ ዘበን ኣብ ሃረር ዝነበረ ፈረንሳዊ ገጣሚ ዝዝክር ሙዚየም ኣርተር ራምቦ ዝኣመሰሉ ቦታታት ምርኣይ ይኽእሉ ኢዮም።

ፀሓይ እንትትዓርብ እውን ብሕታዊ ስነስርዓት አመጋግባ ዝብኢ አብ ሃረር ይረአ። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም