ዓብይ ውድድር ጎደና ኢፍጣርን ቁርኣንን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ክካየድ ኢዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓብይ ውድድር ጎደና ኢፍጣርን ቁርኣንን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/7/ 2017 /ኢዜአ/ሃገራዊ ዓብይ ውድድር ጎደና ኢፍጣርን ቁርኣንን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
አቲ ስነ ስርዓት፥ “ቁርኣን-ፍልፍል ፍልጠትን ሰላምን” አብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ቁርኣን ኣብ ልቦነኦም ዝተሸከሙ ሃፌዝ መናእሰይ ንምትብባዕን ቀፃሊ ተካኢ ትውልዲ ንምፍጣርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ዋና ሃገራዊ ዓብይ ውድድር ጎደና ኢፍጣርን ቁርኣንን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይእ ክካየድ ኢዩ ።