ሓደ ሺሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/3/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ሓደ ሺሕ ኢትዮጵያውያን ሎሚ ማዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (/) ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸውን ንተመለስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብዚ እዋን÷ 4 ዙርያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ብዕሊ ከመዝተጀመረ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ካብ ሎሚ  ጀሚሩ ኣብ ሰሙን 9 በረራታት ብምግባር ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ዜጋታት ናይ ምምላስ ተግባር÷ ኣካል ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ መንግስቲ ከምዝኾነ እውን እቶም ወሃቢ ቃል ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም