ሓደ ሺሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም - ኢዜአ ትግርኛ
ሓደ ሺሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/3/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ሓደ ሺሕ ኢትዮጵያውያን ሎሚ ማዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር)ን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸውን ንተመለስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብዚ እዋን÷ 4ይ ዙርያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ብዕሊ ከመዝተጀመረ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ሰሙን 9 በረራታት ብምግባር ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ዜጋታት ናይ ምምላስ ተግባር÷ ኣካል ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ መንግስቲ ከምዝኾነ እውን እቶም ወሃቢ ቃል ኣብሪሆም።