ንዕድጊት እታወት መድሓኒትን ሕክምናን 12 ቢሊየን ብር በጀት ከምተሰልዐ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ንዕድጊት እታወት መድሓኒትን ሕክምናን 12 ቢሊየን ብር በጀት ከምተሰልዐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/3/ 2017 /ኢዜአ/ልዕሊ 12 ቢሊየን ብር በጀት ብምስላዕ ዕድጊት እታወት መድሓኒትን ሕክምናን ንምፍፃም ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስቴር ጥዕና ብብርኪ ሃገር ለኸ ምስ ዝርከቡ 5 ሺሕ ሓለፍቲን መዳርግቲ ኣካላትን ዓውዲ ጥዕና ይዝቲ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ተበፃሕነትን ቀረብን እታወት ሕክምና ከምኡ እውን ኣብ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ሓበሬታ ዘተ እናተገበረ ይርከብ፡፡
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ እዋን÷ ምስ ቀረብ እታወትን መድሃኒትን ተተሓሒዙ ዝረአ ፀገም ንምፍታሕ ልዕሊ 12 ቢሊየን በጀት ከምዝተትሓዘ ኣብሪሀን።
ቀረብ እታወትን መድሓኒትን ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ ኣብ ቀፃሊ ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ከምዝስራሕ ገሊፀን፡፡
መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ዓውዲ ዝገብሩዎ ኩለመዳይ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ድማ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡