ምዝገባ ጉዕዞ ሓጂ ናይዚ ዓመት ክሳብ 29 ረመዷን (መጋቢት 20) ተናዊሑ

 

አዲስ አበባ/መጋቢት/3/2017/ኢዜአ/ፕሬዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼክ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምዝገባ ጉዕዞ ሓጂ ናይዚ ዓመት ክሳብ ረመዷን 29 (መጋቢት 20) ተናዊሑ።

እቲ ናይ ሎሚዓመት ምዝገባ ሓጂ ብመሰረት መምርሕን ፍቓድን ሚኒስቴር ሓጂ ሳውዲ ከምዝካየድ ብምጥቃስ፤ ምዝገብኡ ክሳብ 29 ረመዷን ምንውሑ ተዛሪቦም።

ምዝገባ ሓጂ ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ 30 ጣብያታት ምዝገብ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ እናተሳለጠ ይርከብ። ኣብቲ ናይ ሎሚዓመት ጉዕዞ ሓጂ 10 ሽሕ ሁጃጃት ንምውሳድ ከምዝተተለመ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም