ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ቱሪስትታት ሃገራት ወፃኢ ክልተ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ



 

አዲስ አበባ/መጋቢት /3/2017/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት መንግስቲ መጠነ ሰፊሕ ስራሕቲ መባፅሕን መሰረተ ልምዓትን ቱሪዝም ከምዘካየደ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።

ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 . ኣብ ዝገምገመሉ፤ ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ብርክት ዝበሉ ባህላዊ፣ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ፀጋታት ከም ምዃና ብዘለዋ ፀጋ ልክዕ ተጠቃሚት ክትኸውን ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፍሰት ቱሪስትታት ወፃኢ 595 ሽሕን 218 ንምብፃሕ ተተሊሙ 661 ሽሕን 870 ቱሪስትታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

ካብዚ 'ውን 2 ነጥቢ 23 ቢሊዮን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ ክልተ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካብ ተኻኢሉ።

ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ንቱሪስትታት ውሽጢ ሃገር 18 ነጥቢ ክልተ ሚሊዮን ንምብፃሕ ተተሊሙ ልዕሊ 29 ሚሊዮን ቱሪስትታት ንኽንቀሳቐሱ ከምዝተገበረን በዚ 'ውን 46 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ምርካብ ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም