ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ኣብያተ ትምህርቲ ዕውት ስራሕ እናሳለጠት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ኣብያተ ትምህርቲ ዕውት ስራሕ እናሳለጠት እያ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ኣብያተ ትምህርቲ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ሕብረት ኣፍሪካን ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ኣፍሊጦም።
መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ን21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምምሃር፤ ጠንካራ ስርዓተ ትምህርትታት ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ዘበነ ሂወት፣ፅሬትን ኣግባብን ዘለዎ ተበፃሕነት ትምህርቲ ምስፍሕፋሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ሕብረት ኮሚሽነር ትምህርቲ፣ሳይንስ፣ቴክኖሎጅን ፈጠራን ፕሮፌሰር መሀመድ በልሆሰኒ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ብመሰረት እቲ መሪሕ ቃል ኣህጉራዊ ፅሬትን ፍትሓዊ ተበፃሕነትን ትምህርቲ ብምዝርጋሕ ዓቕሚ ልምዓት ዝኸውን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ እናተሰርሐ እዩ።
ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት እውን ኣብ ስሩዕ፣ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ትኹረት ብምግባር ትምህርቶም ዘቋርፁ ተምሃሮ ተረባሕቲ ዝኾንሉ ስርዓር ንክፈጥራ ደገፍ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።
መራሕትን ትካላት ትምህርትን ሃገራት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2025 ክሳብ 2039 ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ዘቀላጥፉ መርሃ ግብርታት ተግባራዊ ንክገብሩ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ እውን ኢሎም።
ሃገራት ኣፍሪካ ንመርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ትኹረት ንክህባ ኣብ ፈላሞት መዓልትታት ወርሒ መጋቢት መዓልቲ ምገባ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ በቢዓመቱ እናተኸበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ በቢዓመቱ ዘኽብሮ መዓልቲ ምገባ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ሎሚ ዘበን እውን ኣብ ዋና ከተማ ማእኸላይ ኣፍሪካ ባንጉይ ከምዝኽበር ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ እውን ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ዕዉታት ፃዕርታት እናገበረት ከምዝኾነት ገሊፆም።
ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅን ኣብ ምብፃሕን እውን ውፅኢት እናመዝገበት እያ ኢሎም።
ዳይሬክተር ዞባ ምብራቕን ደቡብን ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ዩኒሴፍ) ኢተሌቫ ካዲሊ ብግደአን፤ መሪሕ ቃል መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ትኹረት ከምዝሃበ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን።
መርሃ ግብሪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ እውን ዕድሚኦም ንትምህርቲ ዝበፅሑ ህፃናት ኣብ መኣዲ ትምህርቶም ንክርከቡ ኣብ ምግባር ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪበን።
ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ዝኽተልኦ መርሃ ግብሪ ምገባ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ትኹረት ንክገብሩ ብምግባር ንፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ወሳኒ እጃም እናበርከተ እዩ ዝርከብ ኢለን።