እቶት ስትራቴጂ ማእኸላይ ግዘ ምፅዳቑ ንጠንካራ ሪፎርም ኢኮኖሚ ወሳኒ ትልሚ ምዃኑ ተገሊፁ



 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/2/ 2017 /ኢዜአ/ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እቶት ስትራቴጂ ማእኸላይ ግዘ ምፅዳቑ ንጠንካራ ሪፎርም ኢኮኖሚ ወሳኒ ትልሚ ምዃኑ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ገሊፀን፡፡

ዓወታት ልምዓት ንምድጋፍ ምጉልባት ኣተሓሳስባ እቶት ዉሽጢ ዓዲ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተዉፃእፅኡን ሓለፍቲ ስራሕ እቶት ዉሽጢ ዓዲን ኣብ ዝተረኸብሉ ኮንፈረስ ይካየድ ኣሎ፡፡

ሕብረት ኣዉሮፓ፣ አይ ኤም ኤፍን ካልኦት ትካላትን ዝተሳተፋሉ እቲ ኮንፈረስ÷ ኣብ ቀፃሊ ዕብየት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ሃገራትን ልዉዉጥ ልምዲ ዘካይዱሉ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መኸፋቲ ኮንፈረስ መደረ ዘስመዓ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ÷ ኢትዮጵያ ተካይዶም ስራሕቲ ለዉጢ ብፍላይ ኣብ ኣተኣኻኽባ ታክስ ፖሊሲን ታክስ ምምሕዳርን ዝበለፀ ከምዝተመሓይሽ ገሊፀን፡፡

ኣፈፃፅማ እቶት ዝተመሓየሸ ዋላ እንተኾነ÷ ታክስ ብሓፈሻ ኣብ ፍርያት ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ናይ ምንካይ ዝንባለ ንምእላይ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ስትራቴጂ እቶት ማእኸላይ ግዘ ምፅዳቑ ንጠንካራ ሪፎርም ኢኮኖሚ ወሳኒ ትልሚ ምዃኑ ኣረዲኤን፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ብወገኖም፥ ኣተሓሳስባ እቶት ዉሽጢ ዓዲ ንትምህርቲ፣ ጥዕና፣ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ዓዉዲታትን ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

እዚ ንምትግባር ድማ እኹልን ተመጣጣኒን ግብሪ ዉሽጢ ዓዲ ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡

ሎሚ ዕለት ሓዊሱ ንኣርባዕተ መዓልቲታት ዝካየድ እቲ ኮንፈረንስ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝሳተፍሉ እንትኾኑ÷ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት በቢሃገራቱ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም