እንተ ተጊህና ኢትዮጵያ ካብ ታሓጋዛይነት ወፂኣ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል ኢያ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/2/ 2017 /ኢዜአ/እንተ ተጊህና ኢትዮጵያ ካብ ርዳእታ ወፂኣ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቆላማ ከባታት ምብራቕ ሃረርጌ እናለምዐ ዝርከብ ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ተመልኪትና ኢሎም።

ምትጋህ፣ ምስራሕን ክንርኢን እንተኽኢልና ኢትዮጵያ ካብ ታሓጋዛይነት ወፂኣ ንካልኦት ክትረድእ ትኽእል ኢያ ክብሉ አመላኸቶም፡፡

እሲ ስራሕ ኣጠናኺርና ንቐፅል ክብሉ እውን ምልእኽቲ ሓደራ ኣመሓላሊፎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም