ኣብ ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ ጠመተ ዝገበረ ዞባዊ ኮንፈረንስ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ጠመተ ዝገበረ ዞባዊ ኮንፈረንስ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 4 መዓልትታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ኮንፈረንስ፣ሽቶታት ልምዓት ንምድጋፍ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ምጥንኻርኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ ኮንፈረንስ፤ ሚኒስቴር እቶት፣ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ፣ኣብ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ ማእኸል ዞባዊ ደገፍ ቴክኒክ ቢሮ ምብራቕ ኣፍሪካ (አፍሪታክ) ብሓባር ዘዳለውዎ እዩ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር እቶትን ሚኒስቴር ገንዘብን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 11 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተወከሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዓውዲ፣ሰብ ሞያታትን ኣማኸርትን ኣታውን ፋይናንስን ከምኡ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እቲ ዞባዊ ኮንፈረንስ፤ ክሳብ 5 መጋቢት 2017 / ከምዝፀንሕን ጎና ጎኒ እቲ ኮንፈረንስ መርሃ ግብሪ ምጉብናይ ከምዝተዳለወን ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም