ብስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ተወሳኺ 310 ሜጋ ዋት ሓይሊ ምርካብ ተኻኢሉ እዩ-ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ



 

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ መከፋፈልቲ ጣብያታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ተወሳኺ 310 ሜጋ ዋት ሓይሊ ምርከብ ከምዝተኽኣለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር መምርሒ መተሓባበሪ ሪጅናት እቲ ትካል ኣይተ ጋሻው እንድሪያስ ከምዝበልዎ፤ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ከተማታትን ኢንዱስትርን ልዑል ድሌት ሓይሊ ተፈጢሩ እዩ።

ነቲ ድሌት ምላሽ ንምሃብ ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓታት ሓይሊ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ኣብቶም ነባር መከፋፈልቲ ጣብያታት እውን ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕሚ፣ምስፍሕፋሕን ምዝማንን እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

እቶም መከፋፈልቲ ጣብያታት ዕድመ፣ልዕሊ መጠን ፅዕነት ሓይልን ኣብቶም ጣብያታት ብዘጋጥሙ ፀገማት ኣብ ልዕሊ ንብረታት ዝበፅሑ ጉድኣታትን ንስራሕቲ ዓቕሚ ምዕባይን ምምሕያሽን ምስላጥ ምኽንያት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ነባር መከፋፈልቲ ጣብያታት 22 ትራንስፎርመራት ሓይሊ ብምትካል 310 ሜጋ ዋት ተወሳኺ ሓይሊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

መከፋፈልቲ ጣብያታት ቦሌ ለሚ፣ሻሸመኔ፣ጂግጂጋ፣በደሌ፣ሃረር ክልተን ሰለስተን፣ወልቂጤ፣ደብረ ታቦር፣ ጊንጪ፣ደብረ ብርሃን፣ድሬዳዋ ክልተን ሰለስተን፣ኣሸጎዳ፣ገላን፣ሆሳዕና፣ባህር ዳር ክልተ፣ ጌዶን ጋሸናን ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕሚ፣ምስፍሕፋሕን ምምዕባልን ካብ ዝተሳለጠሎም ጣብያታት እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም