“ተረኽ ካብ ዝህነፀሎም ቀንዲ ጉዳያት እቲ ሓደ ክእለት 'ዩ”-ተሻለ በሬቻ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን



 

አዲስ አበባ/መጋቢት/1/ኢዜአ/ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ዶክተር ተሻለ በሬቻ ብኽእለት ዝበቕዐ ሓይሊ ሰብ ንሓንቲ ሃገር እንታይ ኣበርክቶ ኣለዎ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ተረኸ ካብዝህነፀሎም ቑልፊ ጉዳያት እቲ ሓደ ክእለት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ፅሬት ዘለዎ ክእለት ንዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር እታዎታት ዝመርሖ ዕዳጋ ንምቕያር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽንና ንምዕዋት ግደ ክእለት ዓቢዪ ' ዝበሉ ዶክተር ተሻለ፤ ሃገር በቖል ሪፎርም ኢኮኖሚ ካብ ዝትግበር ንደሓር ኢኮኖሚያዊ ስብራት ንምፅጋን ዘኽእል ኣብ ክእለት ዝተመርኮሰ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ምስ ኢንዱስትሪን ውልቐ ሴክተርን ብቕርበት እናተሰርሐ ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ቴክኒክን ሞያን ስልጠና ብባህሪኡ ተግባር ተኮር ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ተግባር ተኮር ስልጣና ጋህዲ ንምግባር ምስ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ሚኒስቴር ትምህርቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእል ሕጋዊ ኣሳራርሓ ከምዝተዳለወ ኣብሪሆም።

ከም ገለፃ / ተሻለ፣ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ማለት ብፍልጠት፣ ክእለት፣ ኣተሓሳስባ ድልው ዝኾነ 'ዩ። መንግስትን ውልቀ ትካላትን ሽርክነቶም ኣጠናኺሮም ኣብ ምምዕባል ክእለት ትኹረት ብምግባር ብቑዕ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ኣብ ሃገርና ከፍርዩ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

ፅሬት ስልጠና ንምምፃእ ምስ ኢንዱስትሪታት ዘሎ ምትእስሳር ኣጣናኺርካ ንምቕፃል ትኹረት ሂብካ ከምዝስራሕ ብምግላፅ፤ ኣብ ቴክኒክን ሞያን ትካላት ብሓፀርቲ ስልጠና ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዜጋታት፣ ብስሩዕ ድማ ልዕሊ 500 ሽሕ ዜጋታት ዝሓልፉ እንትኾን፤ ልምዓት እቲ ክእልት ካብዚ ንለዓሊ ንምዕባይ ብሓባር ምስራሕ ይሓትት።

ኣብቲ ዘፈር ዘለና ሰባት ፅሬት ክእለት ንምምፃእ ዝገበርናዮ ፃዕሪን ናይ ምልላይ ስራሕን እኹል ኣይኮነን፤ ንልምዓት ክእለት ትኹረት ምሃብን ንክኢላታት እንህቦ ክብሪ ንምዕባይ ትፅቢት ይግበረልና ክብሉ ገሊፆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም