ሽድሽተ ዓለም ለኸ በረራታት ሙሉእ ብሙሉእ ብደቂ ኣኒስቲዮ ጥራሕ ተኻይዱ



 

ኣዲስ ኣበባ /ለካቲት/29/ 2017 /ኢዜአ/መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ካብ ሰዓት 500 ለይቲ ጀሚሩ ሽዱሽተ ዓለም ለኸ በረራታት ሙሉእ ብሙሉእ ብደቂ ኣኒስቲዮ ጥራሕ ኣካይዱ።

ነዚ ስዒቡ በዓል መዚ ስቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ዓውዲ ኣገልግሎት ኤርናቪጌሽን ነቶም ሽዱሽተ ዓለም ለኸ በረራታት ብደቂ ኣኒስቲዮ ጥራሕ ንክተኣናገዱ መግባሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ገሊፁ።

እቶም በረራታት ብደቂ ኣኒስቲዮ ጥራሕ ክኾኑ ዝተገበረሉ፥ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣኒስቲዮ ምኽኒያት ብምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም