መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ሽዱሽተ በረራታት ምክያድ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ሽዱሽተ በረራታት ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/29/ 2017 /ኢዜአ/ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ሽዱሽተ በረራታት ምክያድ ምጅማሩ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ በረራ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ብምዃኑ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓዉዲ ኣቪዬሽን ዘለወን ተሳትፎ ንምጥንኻር ዘኽእል ምቹኡ ባይታ እዩ ተባሂሉ፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ንመበል 114 ግዘ ኣብ
እቲ መገዲ ኣየር ቕድሚ ሕዚ ብደቂ ኣንስትዮ ኣብረርቲን ጉጅለ በረራን ጥራሕ ዝተመርሐ በረራ ከሳልጥ ምፅንሑ ይዝከር፡፡
ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ እቲ በረራ፥ ንደቂ አንስትዮ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ዝሓወሰ እዩ ፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ንመበል 114 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 49 ግዘ ዝኸበር ዘሎ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ምድላዉ እናተኸበረ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡