ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 8 ሽሕ ሄክታር መሬት ብኣሕምልትን ፍራምረን ተሸፊኑ




 

ሽረ እንዳስላሰ/ለካቲት/ 27/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 8 ሽሕ ሄክታር መሬት ብኣሕምልትን ፍራምረን ከምዝተሸፈነ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር እቲ ዞባ መተሓባበሪ ዘፈር ሕርሻ ኣይተ ክብሮም ብስራት ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ብምጥቃም ብልምዓት መስኖ ሓጋይ ልዕሊ 8 ሽሕ ሄክታር ሕርሻ ብዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ ገደናን ፍራምረን ተሸፊኑ እዩ።

ኣብቲ ልምዓት መስኖ ሓጋይ 24 ሽሕ ሓረስቶት እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም ከባቢ 2 ሽሕ ሓረስቶት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ሓቢሮም።

ነባራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰመማ ሓረስታይ ገብረመድህን መናስቦ፤ ቅድም ኢሎም ብዝኾዓትዎ ጉድጓድ ማይ ሓደ ሄክታር ሕርሽኦም ንልምዓት መስኖ ብምውዓል ኣብ ፈላማይ ዙር 47 ኩንታል ቀይሕ ሽንኩርቲ ከምዝረኸቡ ተዛሪቦም።

ውሕስና ምግቢ ቤተሰቦም ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ተረፍ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ኣታዊ ከምዝረኸቡ ገሊፆም።

ነባሪት ወረዳ ፅምብላ ጣብያ ብርሃን ዝኾና ሓረስታይ ሕልፍቲ በርሀ ብግደአን፤ ኣሕምልቲ ገደና ብምልማዕ ካብ ዝረኽብኦ ኣታዊ ውሕስና ምግበን ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ሰለስተ ደቀን ብኣግባቡ እናምሀራ ከምዝርከባ ተዛሪበን።

ነባራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰመማ ሓረስታይ ይህደጎ ተስፋይ፤ ማይ ገፀ ምድሪ ተጠቒሞም ካብ ዘልምዕዎ ፍርቂ ሄክታር ሕርሻ 30 ኩንታል ፍርያት ኮሚደረከምዝረኸቡ ሓቢሮም።

እዚ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ልዕሊ 150 ሽሕ ብር ኣታዊ ከምዝረኸቡ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም