ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፋብሪካ ቤቨሬጅ ኬኛ ጎብንዮም




 

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 27/2017 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ወረዳ ኣምቦ ኣብ ዝነበሮም ዑደት ፋብሪካ ቤቨሬጅ ኬኛ ጎብንዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(/) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ኣብ ወረዳ ኣምቦ ኣብ ዝነበሮም ዑደት ንፋብሪካ ኬኛ ቤቭሬጅ ተመልኪቶም።

እቲ ፋብሪካ ኣብቶም ዝመፁ ሰለስተ ሰሙናት ናብ ስራሕ ዝኣትው እንትኸውን 3 ሚሊዮን ሄክቶሊትር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ።

ስራሕቲ ምሕደራ ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ጣብያታት ምጥንኻር ወሳኒ 'ዩ። ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ በቢከባቢኡ ንህዝቢ ቐረባ ዝኾነ ምምሕዳር ንምፍጣር ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ። ብመንፅር እዚ ኣብ ወረዳ ኣምቦ ምንቅስቓስ ሓደ ጣብያ ኣብ ግዜ ዑደት ተራእዩ።

በዚ ጣብያታት ናይ ምብቃዕ ስራሕ ኣብቲ ክልል 7 ሽሕን 342 ጣብያታት ተወዲቦም። 59 ሽሕ ሓይሊ ሰብ ተመዲቡሎም። ቕድሚ እዚ ብወረዳታት ተማእኺሎም ዝነበሩ ሞያዊን ምምሕዳራዊን ግልጋሎታት ብብርኪ ጣብያ ብግቡእ ሓይሊ ሰብ እናተውሃቡ ይርከቡ።

ብተወሳኺ 'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ኣካል ኢኮ ሎጅ ወንጪ ደንዲ ዝኾነ ህንፀት ክፋል ደንዲ ዝበፅሖ ብርኪ ተመልኪቶም። ምዕራፍ ስራሕቲ ሲቪል ህንፀት እቲ ስራሕ ተዛዚሙ ሕዚ መዛዘሚ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም