ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ መሬት ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኡ ስግምትታት - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ መሬት ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኡ ስግምትታት
ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ቅድሚ ኩሉ ዘይምፍራሕ፣ምርግጋዕን ክውሰዱ ዝግበኦም ጥንቃቐታት ብኣግባቡ ምስላጥ፣መልእኽትታት ቅድመ ጥንቃቐ ምክትታልን ተግባራዊ ምግባርን ከምኡ እውን ትኽክለኛ ዘይኮነን ካብ ትኽክለኛ ፍልፍል ዘይተረኸበን ሓብሬታ ዘይምቕባልን ዘይምዝርጋሕን ብጣዕሚ ኣድለይቲ ጥንቃቐታት እዮም።
ዝኾነ ውልቀ ሰብን ቤተሰብን ፀገማት ፀጥታን ድሕንነትን ከየጋጥሙ በቢከባቢኡ ምስ ዘለዉ ኣካላት ፀጥታ ብምውዳድን ብምትሕብባርን ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ብምኽንያት ሓደጋ ስግኣት ኣብ ዝተኸልከሉ ከባብታት ዘይምንቅስቓስ ግቡእ እንትኸውን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ
ምንቅጥቃጥ መሬት ቅድሚ ምፍጣሩ፥
ካብ ገዛ ወይ ድማ ካብቲ ህንፃ ከመይ ከምዝወፅእን ኣበይ ክንእከብን ክንፀንሕን ከምዘለና ምፍላጥ
ኣብ እዋን ሓደጋ ካብ ቃስታ ወይ ድማ ካብ ብራኸ ካብ ዘለዎ ቦታ ካብ ዝወድቁ ናውቲ ዓርስኻ ንምክልኻል ዘኽእሉ መከላኽለታት ምጥቃም(ጠረጴዛ፣ዴስክ፣ዓምዲ ወዘተ)
መስመራት ነዳዲ፣ጋዝ፣ማይን ኤሌክትሪክን ብቕልጡፍ ከመይ ከምዝዕፀዉን ከምዝቋረፁን ቀዲምካ ምልምማድ
ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ መሬት ዝወድቁን ጉድኣት ዘብፅሑን ዓበይቲ ኣቑሑት ምፍላይ፣ቀዲምካ ምእላይ
ክቀፃፀሉ ወይ ድማ ሓደጋ ከብፅሑ ዝኽእሉ ፈሰሰትን ኬሚካላትን ትሕት ኣብ ዝበሉ መደርደርታት ምቕማጥ ወይ ድማ ምእላይ
ኣብ ህፁፅ እዋን ዘድልዩ ኣቑሑት(መድሓኒት፣ናይ ኢድ ባትሪ፣ሬድዮን ክዳውንትን) ምፍላይን ምድላውን
ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ዝብተን ቤተሰብ ብኸመይን ኣበይን ቦታ ከምዝራኸብ ቀዲምካ ምውሳን(ቁፅሪ ስልኪ ምሓዝ)
ብቐሊሉ ንምፍራስ ዝቃልዑ ህንፃታትን ኣባይትን ዓርስኻን ቤተሰብካን ምርሓቕን ብመሰረት ምክረ ሓሳብ በዓል ሞያ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ጣብያታት ምፅናሕ
ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ መሬት
2. 1 ኣብ ውሽጢ ህንፃ ወይ ድማ ገዛ እንተኾይኑ፣
ኣብ ዘለውዎ ተረጋጊዖም ምቕማጥን ክተሓዙ ዝኽእሉ ነገራት ምሓዝን ከምኡ እውን ርእስና ካብ ሓደጋ ምክልኻል፥
ካብ ሓደ ህንፃ/ክፍሊ ናብ ካሊእ ህንፃ/ክፍሊ ንምህዳም ወይ ድማ ንምንቅስቓስ ዘይምፍታን፥
ካብ ዝወድቁ ኣቑሑት ዓርስኻ ንምክልኻል ብቐሊሉ ዘይስበሩ መከላኸልታት(ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ፣ዲስክ፣ዓምድታትን ዓራትን ጉምብሕ ኢልካ ርእስኻ ምክልኻል)፥
ብመሽኮት ወይ ድማ ሊፍት ንምምላጥ ወይ ድማ ንምውራድ ዘይምፍታን፥
ገፅካ ናብ በሪ ብምዛር ካብ መስኮት፣መስተዋታትን ከብድቲ ኣቑሑትን ብምርሓቕ ጠጠው ምባል፥
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ዘቋርፅ ኣብ ዘልውዎ ተረጋጊዖም ምቕማጥን ዘይምንቅስቓስን፥
2.2 ካብ ገዛ ወፃኢ እንተኾይኑ፥
ካብ ሓደ ናብ ካሊእ ቦታ ንምህዳም ወይ ድማ ንምንቅስቓስ ዘይምፍታን እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ዝቋረፅ ዘይምንቅስቓስን፥
ካብ ህንፃታት፣ኣግራብን መንደቓትን፣መስመራት መፈልፈሊ ሓይልን ዓምድታትን ብምርሓቕ ክፍቲ ቦታ ወይ ድማ መይዳ ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ጉምብሕ ብምባልን ሚዛንና ብምሕላውን ጠጠው ምባል ወይ ድማ ኮፍ ምባል፥
2.3 ኣብ ግዘ ምሽክርካር መኪና መጠን ንዝረቱ ልዑል እንተኾይኑ፥
ኣብ እዋን ምሽክርካር ክፍቲ ቦታ ብምምራፅ፥ብቕልጡፍ ጠጠው ምባል፣ሞተር ምጥፋእን ሕግታት መሐለዊ ድሕንነት ብምሕላው ኣብ ውሽጢ እታ ተሽከርካሪት ምፅናሕ፥
እታ ተሽከርካሪት ኣብ ትሕቲ መተሓላለፊ መንገዲ ወይ ድማ ድልድል ወይ ድማ መስመር መፈልፈሊ ሓይሊ ጠጠው ዘይምባል፥
ካብታ ተሽከርካሪት ምውፃእ ግድን እንተኾይኑ ካብታ ተሽከርካሪት ብምውፃእ ኣብ ሜዳ ዝኾነ ቦታ ምፅናሕ፥
ድሕሪ ምንቅጥቃጥ መሬት
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ሓዊ፣ምግሃስ መሬት፣ማይን ካልኦትን ክወድቁ ዝኽእሉ ነገራት(ፓሎታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ሓዊ፣ኬሚካል፣መርዛማ ነገራት) ከምዘለዉ ምርግጋፅን ተወሳኺ ጉድኣት ከየብፅሑ ጥንቃቐ ምግባር፥
ዝተጎድኡ ሰባት ከምዘለዉ ምርግጋፅ፣ቀዳማይ ደገፍ ምሃብ፣ብጥንቃቐን ብቕልጡፍን ሓገዝ ንክረኽቡ ምግባር፥
ሰረታት ህንፃ፣ግድግዳታት፣መውፅኢ ትኪ ከምዝተጎድኡን ዝተኸፋፈሉን ምርግጋፅን ካሊእ ጉድኣት ከየብፅሕ ጥንቃቐ ምግባር፥
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዝቕፅል እንተተፈሊጡ ኣብቲ ዝተዳልወ ግዝያዊ መፅንሒ ምፅናሕ፣እቲ ከባቢ ሓደገኛ ከምዝኽነ እንተተረጋጊፁ ካሊእ ግዝያዊ መፅንሒ ብምድላው ካብቲ ከባቢ ምርሓቕ፥
ንህፁፅ እዋን ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ምግቢ፣ማይ፣ክዳንን መድሓኒትን ከምዘለዉ ምርግጋፅ፥
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ከጋጥም ንዝኽእል ዳግማይ ምንቅጥቃጥ መሬት እኹል ምድላው ምግባር