ኢትዮ ቴሌኮም ብኣግልጋሎት ክላውድ ዝተሃነፁ ዲጂታል ሶሉሽናት ኣጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮ ቴሌኮም ብኣግልጋሎት ክላውድ ዝተሃነፁ ዲጂታል ሶሉሽናት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/19/ 2017 /ኢዜአ/ ኢትዮ ቴሌኮም ንዓማዊልን ትካላትን ዓቕሞም ዘጎልብቱን ዘዘምኑን ኣብ ግልጋሎት ክላውድ ዝተሃነፁ ሸውዓተ ሶሉሽናት ዕላዊ ገይሩ፡፡
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህወት ታምሩ ከምዝገለፅኦ÷ ዲጂታል ሶሉሽናት ምስ ኣግልጋሎት ኮኔክቲቪቲ ካብ ምስራሕ ብዝዘለለ ንሕብረተሰብ ኩለመዳያዊ ለውጢ ኢኮኖሚ ተረባሕነቶም ዕዙዝ እዩ፡፡
ኢትዮ ቴሌኮም ጉዕዞ ዲጂታል ትርንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍን ሓቋፋይ ፋይናንስ ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ዲጂታል ሶሉሽናት ኣብ ምቕራብ ከምዝርከብ እውን ኣልዒለን፡፡
ኣሰራርሓ ትካላት ዘዝምኑ ንዓማዊል ብልዑል ብርኪ ግልጋሎት ምቕራብ ዘኽእሉ ብክላውድ ሶሉሽን ዝተሓገዙ ሸውዓተ ኢንተርፕራይዝ ሶሉሽናት ዕላዊ ተገይሮም፡፡
ካብኣቶም ኢንተርፕራይዝ ሶሉሽናት ዲጂታል ላይቭስቶክ ትራኪንግ፣ ቴሌ ፑሽ-ቱ-ቶክ/ቪዲዮ፣ ሶሉሽን ኮር ባንኪንግ፣ ሶሉሽን ኣሰራርሓ ስርዓት ትምህርቲ፣ ሶሉሽን ሓደ ቢሮ ምትሕብባርን ኣፍራይነትን፣ ቴሌ ኮንታክት ሴንተርን ኢ.ኣር.ፒ ሶሉሽናትንን ዝተበሃሉ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡