ኣብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብዝተወሰደ መመሓየሺ ስርዓት ኣሰራርሓ ዋጋኡ ብፍርቂ ነክዩ - ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብዝተወሰደ መመሓየሺ ስርዓት ኣሰራርሓ ዋጋኡ ብፍርቂ ነክዩ - ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/7/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብዝተወሰደ መመሓየሺ ስርዓት ኣሰራርሓ ዝተረጋገአ ቀረብን ዕድጊትን ክህሉ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ዋጋኡ ብፍርቂ ክንኪ ከምዝገበረ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ሚኒስትር ገምጋም ኣፈፃፅማ ዘፈር ንግዲ ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2017 ፌደራልን ክልላትን ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ከተማ ቡታጅራ ከምዘካየዱ ገሊፆም፡፡
ኣብ 6 ኣዋርሕ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 2 ሚሊየን 50 ሺሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፈቓድን ብኦንላይን ከምዝተውሃበ ገሊፆም፡፡
ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 28 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካን ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 1 ነጥቢ 71 ቢሊየን ዶላር ሓለፋ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን 1 ሺሕን 213 ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብተወሰደ መመሓየሺ ስረዓት ኣሰራርሓ ዝተረጋገአ ቀረብን ዕድጊትን ክህሉ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዋጋኡ ብፍርቂ ክንኪ ከምዝገበረ እውን ፀሪሖም፡፡