ኣብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብዝተወሰደ መመሓየሺ ስርዓት ኣሰራርሓ ዋጋኡ ብፍርቂ ነክዩ - ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/7/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብዝተወሰደ መመሓየሺ ስርዓት ኣሰራርሓ ዝተረጋገአ ቀረብን ዕድጊትን ክህሉ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ዋጋኡ ብፍርቂ ክንኪ ከምዝገበረ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (/) ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ገምጋም ኣፈፃፅማ ዘፈር ንግዲ ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2017 ፌደራልን ክልላትን ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ከተማ ቡታጅራ ከምዘካየዱ ገሊፆም፡፡

ኣብ 6 ኣዋርሕ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 2 ሚሊየን 50 ሺሕ ኣገልግሎት ምዝገባን ፈቓድን ብኦንላይን ከምዝተውሃበ ገሊፆም፡፡

ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 28 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካን ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 1 ነጥቢ 71 ቢሊየን ዶላር ሓለፋ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን 1 ሺሕን 213 ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ዕዳጋ ሲሚንቶ ብተወሰደ መመሓየሺ ስረዓት ኣሰራርሓ ዝተረጋገአ ቀረብን ዕድጊትን ክህሉ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዋጋኡ ብፍርቂ ክንኪ ከምዝገበረ እውን ፀሪሖም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም