"ሕዚ ንኣባይ ካብ ምድራፍ ንኣባይ ኣብ ምጥቃም በፂሕና ኢና” -ዶ/ር ዳዊት ሃዬሶ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ - ኢዜአ ትግርኛ
"ሕዚ ንኣባይ ካብ ምድራፍ ንኣባይ ኣብ ምጥቃም በፂሕና ኢና” -ዶ/ር ዳዊት ሃዬሶ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ

አዲስ አበባ/የካቲት/6/2017/ኢዜአ/ካብ ዘፈር ግብርና ትፅቢት ንዝግበር ንምርካብ ስርዓት ኣጠቓቕማ ማይና ክነዕቢ ይግባእ ክብሉ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ ዶ/ር ዳዊት ሃዬሶ ገሊፆም።
ሕዚ ንኣባይ ካብ ምድራፍ ንኣባይ ኣብ ምጥቃም በፂሕና ኢና 'ውን ኢሎም።
ካብ ዘፈር ግብርና ትፅቢት ንዝግበር ንምርካብ ስርዓት ኣጠቓቕማ ማይና ክነዕቢ ይግባእ። ነዚ 'ውን ማይ ዝናብ ካብ ምፅባይ መስኖን ኻልኦት ሜላታትን ዕዙዝ ረብሓ ኣለዎም ክብሉ ሓቢሮም።
ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ፣ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ፣ ምኽባር መነባብሮን ስእነት ስራሕን ንምንካይን የኽእል ኢሎም።
ግብርና ንግልጋሎትን ኢንዱስትሪን እታዎት ብምዃን ንሓፈሻዊ ቑጠባዊ ዕብየት ልዑል ግደ ይፃወት። እዚ ንምግባር ሰላም ምሕላው ግድን ስለዝኾነ ሰላምና ንሓልው ክብሉ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።