ኣብ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ንናይ በልጊ ኣዝመራ ሰፊሕ ምድላው እናተገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ንናይ በልጊ ኣዝመራ ሰፊሕ ምድላው እናተገበረ እዩ

መቐለ/የካቲት /6/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ንናይ በልጊ ኣዝመራ ሰፊሕ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።
ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መራሒ ጉጅለ ሚቲዎሮሎጂ ብርሃነ ተስፋይ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን በልጊ ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘርኢ ንምሽፋን ምድላው ተገይሩ እዩ።
ካብዚ ድማ ልዕሊ 245 ሽሕ ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ከምዝተተለመ ብምሕባር፤ ንዕውትነቱ ድማ ዝተዋደደ ስራሕ ኣብ ምስላጥ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ኣብቲ ክልል ካብ ቀፃሊ መጋቢት ክሳብ ጉንበት ኣብ ዘለዉ 3 ኣዋርሕ ዝሓሸ መጠን ዝናብ ከምዝህሉ ብምግላፅ፤ ብበልጊ ዝሽፈን ሕርሻ ብኣንፃር እቲ መጠን ዝናብ ዝረኣ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዞባ ኣብ እዋን በልጊ ፍርያት ኣብ ዝህቡ 6 ወረዳታት ብዝሳለጥ ስራሕ ግብርና ልዕሊ 22 ሽሕ ሓረስቶት ንምስታፍ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ሓረስቶት እቲ ዘባ ዝኾኑ ኣይተ ግርማይ ኣብርሃን ኣባዲ ገብረ እግዚኣብሄርን ብግደኦም፤ ናይቲ እዋን ራሕሲ ብኣግባቡ ብምጥቃም ሕርሸኦም ብቕልጡፍ ብዝበፅሑ ዝራእቲ ንምሽፋን ምድላው ከምዝገበሩ ገሊፆም።