ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2017 61 ነጥቢ 9 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ


ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/5/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ በጀት ዓመት 2017 61 ነጥቢ 9 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ፡፡

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍሬ-ህይወት ታምሩ÷ ብኔትወርክ መስፋሕፍሒ፣ ብፅሬት ኣገልግሎት፣ ሓደሽቲ ኣገልግሎታ ብምጅማር ኣብ ውሽጢ ሽዱስተ ኣዋርሕ 61ነጥቢ 9 ቢሊየን ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተዛሪበን፡፡

በዚ ድማ ካብ ትልሙ 97 ሚኢታዊ ከዐውት ከምዝኸኣለ ብመግላፅ÷ 130 ዓመት ዘቁፀረ እቲ ኩባንያ 80 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓማዊል ከምዘለዉዎ ገሊፀን፡፡

እቲ ኩባንያ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ 23 ነጥቢ 74 ቢሊየን ብር ንመንግስቲ ታክስ ከምዝኸፈለ እውን ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም