ዓወት ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ብምግቢ ዓርሳ ከምትኽእል መረጋገፂ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓወት ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ብምግቢ ዓርሳ ከምትኽእል መረጋገፂ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/ 5/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዘመዝገበቶ ዓወት ኣፍሪካ ብምግቢ ዓርሳ ከምትኽእል መረጋገፂ እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
ጉባኤ ዓለም ለኸ ልምዓት መስኖን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ መፍረያይነትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፤ ፀገም ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ውሕስና ምግብን እናተጋደደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሽግግር ልምዓት ግብርና እናመርሐት እያ ትርከብ ኢሎም።
ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ግምት ዘእተዉ ስራሕቲ መፍረያይነት ምግቢ እናሳለጠት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኣብዚ መርሃ ግብሪ 40 ቢልዮን ፈልስታት ምትካሎም ሽፋን ደኒ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ብልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ብሚልዮን ዝቑፀሩ ሰባት ውሕስና ምግቦም እናረጋገፁ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ካሊእ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ኢንሼቲቭ ግብርና ልምዓት ግብርና ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ መዳይ እውን ካብ ደገ ዝኣትው ስርናይ ብምቁራፅ ድሌት ፍርያት ስርናይ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ምፍራይ ክኢላ እያ ኢሎም።
እዚ ድማ ኣፍሪካ ዓርሳ ምምጋብ ከምትኽእል መረጋገፂ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንመስኖ፣ሜካናይዜሽንን ካልኦት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝጻወሩ ስርዓታት ግብርናን ትኹረት ብምሃብ ልኣላዊነት ምግቢ ከምተረጋግፅ ኣረዲኦም።