ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ኣመዝጊባ - ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/4/ 2017/ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዘመዝገበት ኣካቢ እቲ ፕሮጀክትን ሚኒስትር ገንዘብን ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ ዞባዊ ፕሮጀክትታት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ገምጊሞም።

ኣካቢ እቲ ፕሮጀክትን ሚኒስትር ገንዘብን ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብቲ ኢኒሼቲቭ ኣብ ሃገራት እቲ ዞባ መሰረተ ልምዓትን ልምዓት ሓይሊ ሰብን፣ ግብርና፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ጥዕና፣ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ከምኡወን ምክልኻል ሓደጋ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋንን ባጀትን ነክዛዘሙ ኸትትል ከምዝግበር እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ማእከል ሰላምን ልምዓትን እቲ ቀጣና ስለዝኾነት ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይ ምትሕብባር ስራሕ ጠመተ ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።

ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብልምዓት ንምትእስሳር  ሚኒስቴራት ገንዘብ እተን ሃገራት ዘጣየሽዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም