"ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ሸውዓተ ምምሕዳራት ከተማ ተጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
"ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ሸውዓተ ምምሕዳራት ከተማ ተጀሚሩ

ብፍላይ ማእኸል እቲ ክልል ኣብ ዝኾና ከተማታትን ካልኦት ማእኸላት ዞባን ተጠናኺሩ ይስራሕ ኣሎ።
ብተሳትፎ ፌዴራል፣ ዞቦ፣ ምምሕዳር ከተማን ሕብረተሰብን ብዝተረኸበ ሃፍቲ ኣብ ሸሞንተ ከተማታት ምምሕዳር ከተማ ይስራሕ ኣሎ።
ከተማታት ወላይታ ሶዶ፣ ኣርባ ምንጭ፣ ዲላ፣ ሳውላ፣ ጂንካ፣ ካራትን ይርጋ ጨፌን ብልምዓት ኮሪደር 41 ኪ.ሜ መገዲ፣ 26 ሄክታር ሓምለዋይ ቦታታትን ልምዓት ፓርክን፣ 9 ቦታታት መፃወቲ ህፃናት፣ 11 ኪሜ መብራህቲ ወሰን መገዲን ስራሕቲ መፀባበቒ ህንፃን፣ 0.18 ሄክታር ቦታታት ኣደባባይ ስራሕቲ ልምዓት 3 ፋውንቴን ስራሕቲ ተሰሪሖም።
ዝተወሰኑ ናይ ቀዳማይ ዙር ዛዚሞም ካልኣይ ዙር ጀሚሮም። ከተማ ኣርባምጭ፣ መገዲ እግረኛ 6 ሜትሮ ብሓደ ወገን፣ ናይ በሽክለታ መገዲ 3.2 ሜትሮ፣ ሓምለዋይ ከባቢ 4 ሜትሮን ናይ መብራህቲ Smart light ዘካተተ ስራሕቲ ተሰሪሑ። “
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር