ስሉጥ ለውጢ ኢትዮጵያ ክድርቶ ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ የለን  -ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ






 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/3/ 2017 /ኢዜአ/ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ስሉጥ ለውጢ ኢትዮጵያ ዝድርቶ ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ የለን ክብላ ገሊፀን።

ህንፀት ማእኸል ኮንቬንሽን ኢንተርናሽናል ኣዲስ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ብዝሓለወ መገዲ ይዛዘም አሎ።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ስሉጥ ለውጢ ኢትዮጵያ ክዓግቶ ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ የለን ኢለን።

ዓሚ ከምዚአ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፣ ሎሚ ዘበን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ፣ ግዚፍን ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ህንፀትማእኸል ኮንቬንሽን ኢንተርናሽናል ኣዲስ ኣብ ምዝዛም ንርከብን ኢለን።

እዚ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ማእኸል፥ ዓበይቲ ኣህጉር ለኸን ካለም ለኸን መድረኻት ንምትእንጋድ ብዘኽእል መገዲ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ  ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም