መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ህንዲ ከተማ ሃይድራባድ በረራ ክጅምር ኢዩ


 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/3/ 2017 /ኢዜአ/መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ 5ይቲ መብፅሒት መገደኛታት ናብ ዝኾነት ከተማ ሃይድራባድ ካብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ካብ 9 ሰነ 2017 . ጀሚሩ ናብ ከተማ ሃይድራባድ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ዝግበር ሓዱሽ በረራ ከምዝጅምር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ገሊፁ።

ናይዚ በረራ ምጅማር እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ህንዲ ዝህልዎ ኣድማስ በረራ ካብ ምስፍሑ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ እስያን ኣፍሪካን ዘሎ ኩለመዳይ ርክብ ክብ ዘብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም