ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኣገልግሎትን ካልኦት ዓውዲታትንን ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት ተመዝግብ ኣላ - ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኣገልግሎትን ካልኦት ዓውዲታትንን ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት ተመዝግብ ኣላ - ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/3/ /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኣገልግሎትን ካልኦት ዓውዲታትንን ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት እናመዝገበት ምዃና ዓለም ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ገሊፀን።
ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ፃንሒት ብዝምልከት ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።
ዝተማለአ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ፅቡቕ ከይዲ ብምዃኑ ውፅኢት እናመዝገበ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ብመዳይ ምዕባይ ዘፈር ውልቀ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ከምዝተረዳኣ እተን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣፍሊጠን፡፡
ዘፈር ሕርሻን ኣገልግሎትን ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት ብምምዝጋብ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ምንካይ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፀን።
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ግዘ ዝሓትት ብምዃኑ ብቖራፅነት ምስራሕ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ ንኢትዮጵያ ብሩህ ኢዩ ምባለን ተረጋጊፁ አሎ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት እናዓበየ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣዲስ ኣበባ ውቅብቲ ከተማ እናኾነት ምምፃኣ ከምዝተመልከታ ተዛሪበን።
እተን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣብ መግለፂአን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓፂር እዋን ፃንሒተን ውፅኢታዊ ዑደት ምግባረን ብምግላፅ፣ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኩርዓት ኣፍሪካውያን ምኹኑ ምዕዛበን ተዛሪበን።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ብግደኦም÷ ኣይ ኤም ኤፍ ነቲ ሪፎርም ውፅኢታዊ ንኽኸውን ዝገብሮ ሓገዝ አመስጊኖም።