ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፈተናታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምሽጋር ስራሕቲ ለውጢ ብዝለዓለ ጠመተን በዓል ዋናነትን ብምሓዝ ቆራፅ፣ ኩለ መዳይን ታሪኻዊን ስጉምቲታት ወሲድና ኢና - ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ - ኢዜአ ትግርኛ
ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፈተናታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምሽጋር ስራሕቲ ለውጢ ብዝለዓለ ጠመተን በዓል ዋናነትን ብምሓዝ ቆራፅ፣ ኩለ መዳይን ታሪኻዊን ስጉምቲታት ወሲድና ኢና - ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/2/ 2017 /ኢዜአ/ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፈተናታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምሽጋር ስራሕቲ ለውጢ ብዝለዓለ ጠመተን በዓል ዋናነትን ብምሓዝ ቆራፅ፣ ኩለ መዳይን ታሪኻዊን ስጉምቲታት ወሲድና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይኤም ኤፍ ክርስታሊና ጂኦርጂዬቫ ኣብ ኢትዮዽያ ንዝገብርኡ ዑደት እንቋዕ ደሓን መፃእኽን ኢለምወን።
ኣይኤምኤፍ ንፕሮግራማት ሪፎርም ኢኮኖሚ ዝገብሮ ዝቐፀለ ደገፍ ቴክኒክን ገንዘብን ናትክን እውን ውልቃዊ ፃዕሪን ኣስተዋፅኦን ልዕል ዝበለ ክብሪ ንህቦ ኢና ክብሉ ሓቢሮም።
ብኣይኤምኤፍ ደገፍ ገንዘብ ካብ ዝግበረሎም ዓበይቲ መርሃ ግብሪታት ደገፍ ሓደ ዝኾነ ፕሮግራም ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብሃገር ቦቆል ራእይን ኣጀንዳ ለውጥን ዝተደረኸ ሕልምታት ምዕባለን ልምዓትን ብዝግባእ ቅሪፁ ዝሓዘ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
በዚ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፈተናታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምስጋር ስራሕቲ ለውጢ ብዝለዓለ ጠመተን በዓል ዋናነትን ብምሓዝ ቆራፅ፣ ኩለ መዳይን ታሪኻዊን ስጉምቲታት ወሲድና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ፕሮግራም ክሳብ ሐዚ ዝራኣዪ ውፅኢታት እውን ዘተባብዑ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።