ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ቐድሚ ኹሉ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም





 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/29/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ምርጫና ሰላም ኢዩ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰልፊ ደገፍ ሰላም አካይዶም።

እቶም ተወለድቲ ትግራይ ንሰላም ዘለዎም ደገፍን ቁርፀኝነትን ዝገልፅ ሰልፊ እዮም አሳሊጦም።

ነትግራይ ልምዓት እንበር ኲናት ኣየድልን፣ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰለማዊ ምንቅስቓስን ተመሳሰልቲ ስራሕቲን ብምትእጉጓል ዝርከብ ረብሓ የለን ዝብሉን ካልኦትን መልእኽቲታት አማሓላሊፎም።

ንትግራይን ነበርታን ሰላም ብዝኾነ ይኹን ዘይትካእ ከምዝኾነ እቶም ሰልፈኛታት ኣፅንኦት ሂቦም።

ፖለቲከኛታት ፀገሞም ብምዝርራብ ንክፈትሑን ፀረ ሰላም ካብ ምዃን ንክቑጠቡን ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም