ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ መርጭኡ ሰላም እዩ ብዝብል አብከተማ አዲስ አበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ  ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ አለዉ





 

አዲስ አበባ/ጥሪ/29/2017/ኢዜአ/ ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ መርጭኡ ሰላም እዩ ብዝብል አብከተማ አዲስ አበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ  ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ አለዉ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ካልእ ኹናት ክጥጥቐዎ ዝፍትኑ ሓይልታት ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ከም ዘለዎም አታሓሳሲቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ሰላም ቀዳምነት ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ዘርእዩ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ፖለቲከኛታትን ኤሊታት ትግራይን ፍልልያቶም ብዘተን ምርድዳእን ክፈትሑ ፃውዒት ዘቕረቡ እቶም ሰልፈኛታት  ንትግራይ ናብ መሬት ኩናት ንምቕያር ዝፅዕሩ ሓይልታት ብሓባር ምቅላስ ከምዘድሊ ኣመላኺቶም።

እቶም ሰልፈኛታት ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ናይ ትማሊ ኲናት በሰልኡ ከምዘይሓወየ ብምዝኸኻር"ልምዓት እምበር ኩናት ናይ ምፅዋር ዓቕሚ የብልናን" ብምባል ድምፆም ኣስሚዖም።

ኣብቲ ሰልፊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣኽቢሮም ንሰላም ድልዋት ክኾኑ ካም ዘለዎም መልእኸቲ ተማሓላሊፉ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም