ዘለዉና ክብሪታት እናማዕበልና ክንብርኸ አንኽእለሉ ዓቕሚ ይፈጥሩ ኢዮም




 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/23/ 2017 /ኢዜአ/ዘለዉና ክብሪታት እናማዕበልና ክንብርኸ አንኽእለሉ ዓቕሚ ልዑል እዩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን

በዓል ፈረሰኛታት ኣገው ንኣታዊ ፌስቲቫል ቱሪዝም  ዘጠዓዕም ኢዩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ቢልለኔ ስዩም ኣገንዚበን።

እተን ሓላፊት መበል 85 በዓል ምስረታ ማሕበር ፈረሰኛታት ኣገው ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ቅድሚ ኣርባዕቲ ዓመት መበል 81 በዓል ምስረታ ፈረሰኛታት ኣገው ንምኽባር ዕድሉ ረኺበ፣ ተገሪመ ነይረ ኢለን።

ኣብቲ በዓል ዝተሰናድኡ ዝተፈላለዩን ዘይተለመዱን ምግብታት፣ ሙዚቃ፣ ኣልባሳት፣ ምስ ትርኢት ፈረስ ተደሚሩ ዝነኣድ ሃዋሁ ከምዘለዎ ኣዘኻኺረን።

ደቂ ኣኒስቲዮ ፈረሰኛታት ናይዚ ኣካል ብምዃን ልዑል ናእዳ ተሰሚዑኒ ነይሩ ዝበላ እተን ሓላፊት፥ ከም ሃገር ዘለዉ ኩነታት እንትባዝሑ ብዙሓት ዕድላት ከምዘጠዓዕሙ ገሊፀን።

ብተወሳኺ ዘለዉና ክብሪታት እናማዕበልና ክብ ምባል አንኽእለሉ ዓቕሚ ይፈጥሩ ኢዮም ኢለ እኣምን ክብላ ሓቢረን።

ሎሚ እውን መበል 85 በዓል ምስረታ ማሕበር ፈረሰኛታት ኣገው እንትኽበር ጎብነይቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ከምዝዕደሙ እምነተን ገሊፀን።

እቲ ከባቢ እውን ነቒሑ ሰላሙ ብምሕላው እቲ በዓል በብዓመቱ  ምክያድ ምኽኣሉ ናይ ቀፃሊ ዕድሉ የጠናኽር ኢዩ ኢለን።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም