ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ  ዲስትሪክት መቐለ 70 ሚኢታዊ ዓማዊሉ ገንዘብ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ እናንቀሳቐሱ ምዃኖም ገሊፁ

አዲስ አበባ/ጥሪ/13/2017/ኢዜአ/ ዲስትሪክት መቐለ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ 70 ሚኢታዊ ዓማዊሉ ገንዘብ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ እናንቀሳቐሱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር እቲ ዲስትሪክት ኣይተ ኤልያስ ልሳነወርቅ  ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ባንኪ ሞባይል ባንኪንግ ሓዊሱ ኻልኦት ኣማራፂታት ቴክኖሎጂ ዘርጊሑ ብምፍላጡ ብርክት ዝበሉ ዓማዊሉ ተጠቀምቲ እቶም ግልጋሎታት ምግባር ኽኢሉ።

ኣብቲ ዲስትሪክት ኣብ ዝርከቡ 58 ጨንፈራት ትሕቲ ሓደ ነጥቢ ክልተ ሚሊዮን ዓማዊል ምህላዎም ዝጠቐሱ ኣይተ ኤልያስ፤ ካብ መንጎ እዚኣቶም 'ውን እቶም 70 ሚኢታዊ ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ገንዘቦም እናንቀሳቐሱ ምዃኖም ገሊፆም።

በዚ 'ውን ገንዘብ ድሕንነቱ ብዝተሓለወ ኩነታት ንኽንቀሳቐስ ዕድል ምፍጣሩ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም