ፍሉይ ተወካሊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያን ሓላፊ ልኡኽ ደገፍን ምርግጋዕ ሕብረት ኣፍሪካን ንሓበራዊ መግለፂ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ንኢዶም - ኢዜአ ትግርኛ
ፍሉይ ተወካሊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያን ሓላፊ ልኡኽ ደገፍን ምርግጋዕ ሕብረት ኣፍሪካን ንሓበራዊ መግለፂ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/5/ 2017 /ኢዜአ/ፍሉይ ተወካሊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያን ሓላፊ ልኡኽ ደገፍን ምርግጋዕ ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሞሓመድ ኤል ኣሚን ሱፍ ሓበራዊ መግለፂ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ከምዝተቐበልዎ ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳነት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ሞሃመድ ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዝኾነ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ጠመተ ብምግባር ተዛቲዮም።
ብመሰረት እዚ ሕውነታዊ ርክብ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዘኽአል ውፅኢታዊ ለዝብ ምግባሮም ብሓባር ኣብ ዘውፀእዎ መግለፂ ቅዋም ሓቢሮም።
እተን ሃገራት ዝነበረን ክልቲኣዊ ርክብ ብዝተማልአ ዲፕሎማሲያዊ ውክልና ናብ ዝነበረሉ ንምምላስን ንምጥንኻርን ተስማዕሚዐን ኢየን።
ሓበራዊ ረብሐአን ንምሕላው፣ ብምትሕብባር ንምስራሕን ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ንምፍፃምን ኩለ መዳያዊ ወገንን ዞባዊ ፎረምን ከምዘድሊ ኣብቲ እዋን ተላዚቦም።
ነዚ ምኽኒያት ብምግባር እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ስምምዕ ንኢዱ።
ኢኮኖሚያዊ ውህደት ንምጉልባት፣ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ንዞባዊ ምርግጋዕ ኢሉ እውን ንሓበራዊ ምዕባለ ኣበርክትኡ ርኡይ ከምዘኾነ ገሊፆም።
እቲ ስምምዕነት ምስ ጠለብ ህዝቢ ሶማሊያን ምስ ራኢ ሕብረት ኣፍሪካን ብምጥዕዓም ፃዕሪታት ሰላም ሶማሊያን ዞባዊ ምሕዝነታትን ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ፡፡
ዞባዊ ምርግጋዕ ጋህዲ ንምግባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምትእምማንን ምክብባርን ዝተመስረተ ጥንኩር ምትሕብባር ከምዘድልየን እውን ኣመልኪቱ፡፡
ዞባዊ ርክብ ንምምሕያሽ፣ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምድንፋዕን ዕቤት ንምምፃእን ዝተዋደደ ፃዕሪ ብምጥንኻር ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ እቶም መራሕቲ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ይፍለጥ፡፡
ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ዓውዲ ድሕንነት ክቕፅል ምግባርን ምጥንኻርን ከምዝግባእ ምዝታዮም እውን ሓበራዊ መግለፂ ቅዋሞም የመላኽት፡፡