አታሓሳስባ መደመር ንርክብ በይነ መንግሥታት ብምሕያል ንፀገማት ብሓባር ምፍታሕ አእኺሉ እዩ-ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ - ኢዜአ ትግርኛ
አታሓሳስባ መደመር ንርክብ በይነ መንግሥታት ብምሕያል ንፀገማት ብሓባር ምፍታሕ አእኺሉ እዩ-ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ

አዲስ አበባ/ ጥር/ 5/2017/ኢዜአ/፦ አታሓሳስባ መደመር ንርክብ በይነ መንግሥታት ብምሕያል ንፀገማት ብሓባር ምፍታሕ አእኺሉ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስገሊፆም
ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ አብ አተገባብራ ስርዓት ፌዴራሊዝም ንዘሎ ኸፍተት ንምፍታሕ ጥንኩር አወዳድባ ትካላት ክፍጠር ከምዘለዎ ታአሚንሉ ሕግታት ወፂኦም ፡፡
በዚ እውን መንግስትታት ክልል ነንሕድሕዶምን ምስ ፌዴራል መንግስቲ ዘለዎም ርክብ ዝውስን አዋጅ በይነ መንግሥታት ተግባራዊ ተገይሩ እዩ ፡፡
ሚኒስትር ሰላም ምስ ኢዜአ አብ ዝነበሮም ፃንሒት ናይ ለውጢ መንግስቲ መንግስትታት ክልል ንፀገማቶም ብሓባር ዝፈትሕሉ አሰራርሓ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ አብ ሕውነትን አሓትን ዝተመስረተ ምትእምማን ንክህሉ ጌይሩ እዩ ኢሎም፡፡
ኮይኑ እውን አብ እዚ ሐዚ እዋን ክልላት አብ ሞንጎኦም ንዝፍጠር ፀገም ብዘተን ብምዝርራብን ምፍታሕ አብ ዝኸእልሉ ፖለቲካዊ ምህዳር ምብፅሖም ገሊፆም ፡፡
ሚኒስቴር ሰላም ምስ ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር አብ ሞንጎ ክልላት ዘሎ ምትእስሳር ሕጋዊ መልክዕ ንክሕዝ ዘኸእል አሰራርሓ ገቢራዊ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም፡፡
ንኢትዮጵያ ንምሕናፅ ሓበራዊ ምትሕብባር አገዳሲ ምኹኑ ዝፀርሑ እቶም ሚኒስትር ንፀገማት ምክልኻል ከይኮነ አብ ሞንጎ ህዝብታት ንዘሎ ኩለመዳያዊ ምትእስሳር ምጉልባት ውሕስናና ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፡፡