ኢትዮጵያን ሶማሊያን ክልቲኣዉ ርክበን ንምጥንኻር ብምትሕብባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን



ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/4/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያን ሶማሊያን ክልቲኣዉ ርክበን ንምጥንኻር ብምትሕብባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼክ መሃሙድ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) እሙቕ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ሓበራዊ ረብሓ ኣብ ዝኾኑ ክልቲኣዊን ዞባውን ዛዕባታት ተዛቲዮም።

ሕውነት ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ውፅኢታዊ ልዝብ ምግባሮም ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ቅዋም ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ እተን ሃገራት ዝነበረን ክልቲኣዊ ርክብ ብዝተማልአ ዲፕሎማሲያዊ ውክልና ናብ ዝነበረሉ ንምምላስን ንምጥንኻርን ምስምዕመዖም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ሓበራዊ ረብሓ ንምሕላው ብምትሕብባር ንምስራሕን ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ንምፍፃምን ኩለ መዳያዊን ዞባዊን ፎረም ከምዘድሊ ተላዚቦም።

እቶም መራሕቲ ዞባዊ ምርግጋዕ ዕላዊ ንክኸውን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምትእምማንን ምክብባርን ዝተመስረተ ጠንካራ ምትሕብባር ከምዘድሊየን ኣረጋጊፆም።

ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ዓውደ ድሕንነት ምቕፃልን ምጥንኻርን ከምዝግባእ ምዝታዮም ተሓቢሩ።

ምትሕብባር ፀጥታ ብምግባር ኣብቲዞባ ዘሎ ስግኣት ጉጅለ ዕጡቓት ኣኽረርቲ ንምውጋድ ተስማዕሚዖም።

ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ከምዝግባእ ተዛቲዮም።

ስምምዕነት ኣንካራ ብቑርፀኝነት ብምፍፃም ሕውነትን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም