ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ግብርና ዚምባብዌ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ግብርና ዚምባብዌ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /3/2017 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ግብርና ዚምባብዌ ኣንክሸስ ጆንግዌ ማሱካ (ዶ/ር) ኣብ ምትሕብባር ልምዓት ግብርና ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቶም ዘትዮም።
ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ካምፓላ እናተኻየደ ዝርከብ ህፁፅ ኣኼባ ፕሮግራም ኩለ መዳያዊ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ(ካዴፕ) ሎሚ ሳልሳይ መዓልቱ ዝገበረ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ መራሕቲ እናተኻየደ ይርከብ።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኢትዮጵ ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ እንትኸውን፤ ጎና ጎኒ እቲ ህፁፅ ኣኼባ ምስ ሚኒስትር ግብርና ዚምባብዌ ኣንክሸስ ጆንግዌ ማሱካ (ዶ/ር) ዘትዮም።
እቶም ሚኒስትራት፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓት ግብርና ብምትሕብባር ኣብ ዝሰርሓሉ ጉዳያት ሓባራዊ ምኽክር ምግባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ህፁፅ ኣኼባ ፕሮግራም ኩለ መዳያዊ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ(ካዴፕ) ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምትሕልላፍ ሎሚ መዓልቲ ከምዝዛዘም ትፅቢት ይግበር።