ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ስላሴ ብብርኪ መራሕቲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ህፁፅ ኣኼባ ካዴፕ ይሳተፉ ኣለዉ - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ስላሴ ብብርኪ መራሕቲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ህፁፅ ኣኼባ ካዴፕ ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 3/2017 (ኢዜኣ) ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ስላሴ ብብርኪ መራሕቲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ህፁፅ ኣኼባ ፕሮግራም ኩለ መዳያዊ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ(ካዴፕ) ይሳተፉ ኣለዉ።
እቲ ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ካምፓላ እናተኻየደ ዝርከብ ህፁፅ ኣኼባ ሎሚ ሳልሳይ መዓልቱ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ መራሕቲ እዩ እናተኻየደ ዝርከብ።
ኣብቲ ህፁፅ ኣኼባ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት፣ፕሬዝዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮን ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ሕብረትን፣መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ሚኒስትራት ግብርና፣መሓዙት ልምዓትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ስላሴ፣ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ቀዋሚ ልኡኽቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነን ሚኒስተር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ን ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፉ ይርከቡ።
ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣፈፃፅማ 10 ዓመት ካዴፕ (ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2015-25 ) ዝግምገም እንትኸውን ካብ 2026 ክሳብ 2035 (ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ) ተግባራዊ ዝኸውን ስትራቴጂ 10 ዓመትን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ካዴፕ ከምዝፀድቕ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምትሕልላፍ ሎሚ ከምዝዛዘም እውን ትፅቢት ይግበር።