ሕድሳት ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ተሓቢኡ ዝፀንሐ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ንዓለም ዘርኣየ እዩ-ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ



 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /3/2017 (ኢዜኣ) ሕድሳት ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ተሓቢኡ ዝፀንሐ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ንዓለም ዘርኣየ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ገሊፀን።

ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ብክትትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ደረጅኡ ሓልዩ ተሓዲሱ ከምዝተመረቐ ዝፍለጥ እዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ።

ቅድሚ እቲ ሕድሳት መራሕትን ዲፕሎማትን ሃገራት ንምትእንጋድ ዘይምጥን ከምኡ እውን ግኑን ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዘይገልፅ ስፍራ ኮይኑ ክፅለም  ከምዝፀንሐ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተውሃባ ውህበቶታት ክብሪ ንክሕብኡ ወይ ድማ ንከይረኣዩ ተገይሮም ብምፅንሖም ታሪኽን ዓቕምን ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ከይተርኣየ ከምዝፀንሐ ሓቢረን።

እዚ ሎሚ ዝተሓደሰ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ናይ ትማሊ ክብሪ ዲፕሎማሲና፣ናይ ሎሚ ኩርዓትናን ናይ ፅባሕ መብፅሒናን ብዝገልፅ መልክዑ ንህዝቢ ክፍቲ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ ቤተ መንግስቲ ንሃገራት ኣፍሪካ እውን መዘኻኸሪ ክኾነን ስለዝኽእልናይ ሓባር ሃፍትናእዩ ዝብል ስምዒት ከምዘለወን ኣረዲአን።

እቲ ቤተ መንግስቲ ክብሪ ኢትዮጵያ ዝምጥንን ዓቕሚ ዲፕሎማሲኣ ዘዕብን ፍልፍል ኩርዓትን ሓበንን ከምዝኾነ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም