ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዮጋንዳ ኣትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዮጋንዳ ኣትዮም

አዲስ አበባ/ጥሪ/2/2017/ኢዜአ/ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዮጋንዳ ኣትዮም።
ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ናብ ዩጋንዳ ዘምርሑ ኣብ ኣፍሪካ ዘተኣማምን ስርዓት ግብርናን ምግብን ምህናፅ ብዝብል ቴማ ኣብ ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ፕሮግራም ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ ድሕረ ማላቦ ኣብ ዝመክር ፍልዮ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ 'ዩ።
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተቤ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።