ዝተዓጠቑ ሓይልታት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ምቕባሎም ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ብሓባር ንምህናፅ ወሳኒ ስጉምቲ እዩ-ሚኒስትር መሀመድ እድሪስ

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 2/2017 (ኢዜኣ) ዝተዓጠቑ ሓይልታት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ምቕባሎም ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ብሓባር ንምህናፅ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ምምፃእ ናይ ለውጢ መንግስቲ ስዒቡ ብሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ውልቃዊ ረብሐኦም ክረኽቡ ዘይከኣሉ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ጎንፂ ክፈጥሩ ይረአ እዩ።

ብሽም ሕቶ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ልምዓት፣ሰናይ ምምሕዳር፣ሕቶታት ምምሕዳርን መንነትን ውልቃዊ ድሌቶም ንምዕዋት ናብ በረኻ ዝኣተዉ ሓይልታት እውን ብዙሓት እዮም።

ይኹን እምበር ሕዚ ብዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ድሌትካ ብሓይሊ ምዕዋት ከምዘይከኣል ዝተረድኡ ወገናት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ተቐቢሎም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ እናተመለሱ እዮም ዝርከቡ።

ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ጀሚሩ በቢብርኩ ዘለዉ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፃውዒት ሰላም እናቕረቡ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።

መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣማራፂ ሰላም ንዝኽተሉ ኣካላት በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ከምዝገለፀ ብምሕባር፤ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ንሃገር ከምዝጠቅም ሓቢሮም።

ነዚ ድማ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ሕቶታት ዜጋታት ንምምላስ ተግባራዊ ምንቅስቓሳት እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉ ሓይልታት እውን ብጎንፂ ዝጉዳእ እምበር ዝርባሕ ከምዘየለ ብምርዳእ እዩ ኢሎም።

ፀገማት ዝፍትሑ ብሰላማዊ መንገዲ ምዃኑ ብምሕባር፤ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዝዕወት ዝኾነ ድሌት ፖለቲካ ከምዘየለ ተዛሪቦም።

ሰላምን ልምዓትን ሃገሮምን ህዝቦምን ንምርግጋፅን ምስ መንግስቲ ንምዝርራብን ዝወሰኑ ሓይልታት እናወሰኹ ከምዝመፁ እውን ኣረዲኦም።

ዝተዓጠቑ ሓይልታት ፃውዒት ሰላም ምቕባሎም ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ብሓባር ንምህናፅ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበሩ ሓይልታት ፃውዒት ሰላም ምቕባሎም መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም