ኢትዮጵያ ኣብ ካሊፎርኒያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን ገሊፃ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ካሊፎርኒያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/2/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ሎስ ኣንጀለስ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ብዘብፀሖ ጉድኣት ዝተሰማዓ መሪር ሓዘን ገሊፃ፡፡
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ብዝበፅሐ ጉድኣት ኢትዮጵያ ከምዝሓዘነት ኣፍሊጡ፡፡
ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምኡ እውን ኣብ ጎድኒ ኣብ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምዝኾኑ ኣረጋጊፁ፡፡