ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ኣብ ለውጢ ከባብያ ኣየር ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ኣለዋ-ኣምባሳደር ገነት ተሾመ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ኣብ ለውጢ ከባብያ ኣየር ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ኣለዋ-ኣምባሳደር ገነት ተሾመ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ኣብ ለውጢ ከባብያ ኣየርን ዘላቒ ልምዓትን ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ገነት ተሾመ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 ኣባል ብሪክስ ዝኾነት እንትኸውን ኣባል እቲ ጥምረት ካብ ትኸውን ሓደ ዓመት ኣቑፂራ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ገነት ተሾመ ምስ ዓለም ለኸ ኔትወርክ ሚድያታት ኣባልን መሓዙትን ሃገራት ብሪክስ ዝኾነ ብሪክስ ቴሌቪዥን ፃንሒት ዝገበሩ እንትኸውን፤ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ጠቓሚ ማዕቐፍ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ኣካል ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢኣ ዝተቐመጠ ምብዛሕ መሓዛ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስ ዘለዉ ኣማራፅታት ንግዲ መጠን ልውውጥ ንግዲ ኢትዮጵያ ብምዕባይ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንምጥንኻር ከምዘኽእሉ ተዛሪቦም።
ካብተን ሃገራት ኣባል ብሪክስ እተን ዝተወሰና መሓዙት ንግዲ ኢትዮጵያ ከምዝኾና ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ብሪክስ ፍትሓውን መዓርነትን ዘለዎ ስርዓት ዓለም ንምፍጣር ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ ከምትኣምን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ፈልስታት ከምዝተኸለትን ኣብ ዘላቕን ሓምለዋይ ልምዓትን ተጠቃሚት እናኾነት ከምትርከብን ተዛሪቦም።
ሓለዋ ከባብን ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ምስ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ብምትሕብባር ምስራሕ ካብ ትደልዮም ዓውድታት እዮም ኢሎም።
ኣብ ለውጢ ከባብዊ ኣየርን ዘላቒ ልምዓትን ካብተን ሃገራት ተሞኩሮ ክትቐስም ከምትደሊ እውን ሓቢሮም።
ሩሲያ ኣቦ መንበርነት ብሪክስ ኣብ ኢዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢትዮጵያ ናብቲ ጥምረት ንክትፅምበር ንዝገበረቶ ደገፍ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።