ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዘፈር ፍትሒ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለወን ገሊፀን

 

አዲስ አበባ/ጥሪ/2/2017/ኢዜአ/ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዘፈር ፍትሒ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለወን ኣፍሊጠን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ምስ ሓላፊ ዘፈር ስራሕ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ሚኒስቴር ፍትሒ ቻይና ዩዋን ሊያንግ ዘትዮም።

ኣብቲ  ኽልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘድሀበ ምይይጥ ኽልቲኦም ወገናት ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዘለወን ብኹነታት ዘይለዋወጥ ስትራቴጂካዊ መዳርግትነት (all-weather strategic partnership) ተመያይጦም።

ኣምባሳደር ተፈራ፤ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ኢንቨስትመንት፣ ንግድን ቱሪዝም ኸምኡ 'ውን ዘፈር ብዙሕ ምትሕብባር ከምዘለወን ገሊፆም።

ሓላፊ ዘፈር ስራሕ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ሚኒስቴር ፍትሒ ቻይና ዩዋን ሊያንግ፤ ጥንኩር ርክብ ኽልቲአን ሃገራት ምድናቖም መረዳእታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤጂንግ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም