ኢትዮጵያ ኣብ ዝርያ ዓለም አፀቢቓ ንኸትልለ ንዓርሳ  ክትሃንፅ ከምዝግባእ ተሓቢሩ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/2/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ዝርያ ዓለም አፀቢቓ ንኸትልለ ንዓርሳ  ክትሃንፅ ን ምስላ ዝያዳ ንኸጎልህን ስርሓቲ ክነጥፉ ከምዘለዎም  ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ሓቢረን

ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣገልግሎት ወለንታ ንመሃብ ስልጠና ዝወሰዱ ካዴታት ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ፣ ሓድነት ፓርክ፣ ሳይንስ ሙዚዬምን ወዳጅነት ፓርክን ዑደት ገይረን፡፡

ኣምባሳደር ብርቱካን ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ዝፀንሑ ዘኹርዑ ታሪኻዊ  ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ኣልዒለን፡፡

እዞም ታሪኻት ፀንቂቕካ ኣብ ምፍላጥ ወለንታውያን ካዴታት ንፅቡቕ ህንፀት ምስሊ ኢትዮጵያ ክጥቀሙሉ ይግባእ ምባለን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ወለንታውያን ካዴታት ብግደኦም÷ ዝጎብነዩዎም ቦታታ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ታሪኽን ሓድጊን ሓዱሽ ግንዛበ ከምዝፈጠሩሎም ተዛሪቦም፡፡

ናይ ሃገሮም ኣምባሳደር ብምዃን ኣብ ዝሰርሑዎም ልኡኽቶታት ምስሊ ኢትዮጵያ ከምዘፋልጡ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም