ኢትዮጵያ ኣብ ዝርያ ዓለም አፀቢቓ ንኸትልለ ንዓርሳ ክትሃንፅ ከምዝግባእ ተሓቢሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ዝርያ ዓለም አፀቢቓ ንኸትልለ ንዓርሳ ክትሃንፅ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/2/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ዝርያ ዓለም አፀቢቓ ንኸትልለ ንዓርሳ ክትሃንፅ ን ምስላ ዝያዳ ንኸጎልህን ስርሓቲ ክነጥፉ ከምዘለዎም ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ሓቢረን
ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣገልግሎት ወለንታ ንመሃብ ስልጠና ዝወሰዱ ካዴታት ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ፣ ሓድነት ፓርክ፣ ሳይንስ ሙዚዬምን ወዳጅነት ፓርክን ዑደት ገይረን፡፡
ኣምባሳደር ብርቱካን ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ዝፀንሑ ዘኹርዑ ታሪኻዊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ኣልዒለን፡፡
እዞም ታሪኻት ፀንቂቕካ ኣብ ምፍላጥ ወለንታውያን ካዴታት ንፅቡቕ ህንፀት ምስሊ ኢትዮጵያ ክጥቀሙሉ ይግባእ ምባለን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
ወለንታውያን ካዴታት ብግደኦም÷ ዝጎብነዩዎም ቦታታ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ታሪኽን ሓድጊን ሓዱሽ ግንዛበ ከምዝፈጠሩሎም ተዛሪቦም፡፡
ናይ ሃገሮም ኣምባሳደር ብምዃን ኣብ ዝሰርሑዎም ልኡኽቶታት ምስሊ ኢትዮጵያ ከምዘፋልጡ እውን ኣረጋጊፆም፡፡