ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንፕሮጀክት ጣብያ መፃረይ ፈሳሲ ቦሌ ኣራብሳ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን

አዲስ አበባ/ጥሪ/2/2017/ኢዜአ/ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ብመዓልቲ 30 ሽሕ ሜትር ኪዩብ ፈሳሲ ናይ ምፅራይ ዓቕሚ ንዘለዎ ፕሮጀክት ጣብያ መፃረይ ፈሳሲ ቦሌ ኣራብሳ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን።



እተን
ከንቲባ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ከምዝገለፅኦ፤ ኣብታ ከተማ ንምኽታምነት መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት እናተኻየዱ ይርከቡ።

ብፍላይ ንኣዲስ ኣበባ ፅብቕትን ንናብራ ምችውትን ኣብ ምግባር መዳይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣፍሊጠን።

እቲ ሎማዓንቲ ኣብ ቦሌ ኣራብሳ ዝተመረቐ ፕሮጀክት ጣብያ መፃረይ ፈሳሲ ንቓል ናብ ተግባር ናይ ምቕያር ፃዕሪ ዘርእይ ምዃኑ ሓቢረን።

እቲ ጣብያ መፃረዪ ፈሳሲ 1 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ እንትኸውን ልዕሊ 240 ሽሕ ንዝኾኑ ነበርቲ ተጠቀምቲ ዘመናዊ ስርዓት መፃረይ ፈሳሲ ንክኾኑ ዝገብር ምዃኑ እተን ከንቲባ ኣገንዚበን።

ዝርግሐ 21 ኪሎ ሜትሮ መስመር ኤሌክትሪክን 1 ነጥቢ 2 ኪሎሜትር መንገዲ ውሽጣ ውሽጢን መንገዲ ኣስፋልትን ዝተሰርሐሉ እቲ ጣብያ ሰለስተ ናይ ምፅራይን ምሕካምን ደረጃታት ከምዘለዉዎ ተፈሊጡ አሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም