ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ልምዓት ሃፍቲ ግብርናን እንሰሳትን ሞሮኮ መሃምድ ሳዲቅ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ልምዓት ሃፍቲ ግብርናን እንሰሳትን ሞሮኮ መሃምድ ሳዲቅ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 2/2017 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ልምዓት ሃፍቲ ግብርናን እንሰሳትን ሞሮኮ መሃምድ ሳዲቅን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓት ግብርና ብሓባር ኣብ ዝሰርሕሎም ጉዳያት ዘትዮም።
እቲ ዘተ፤ ጎና ጎኒ እቲ ትማሊ ኣብ ዩጋንዳ ዝተጀመረ ህፁፅ ኣኼባ ፕሮግራም ኩለ መዳያዊ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ(ካዳፕ) እዩ ተኻይዱ።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓት ግብርና ዘለወን ምትሕብባር ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።