ንኩነታት ራዕዲ መሬትን ዝተውሃቡ ምላሻትን ብዝርዝር ብምግምጋም ኣብ ቐፃሊ ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ኣንፈት ተቐሚጡ


 

አዲስ አበባ/ጥሪ/2/2017/ኢዜአ/ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ዓፋርን ኣብ ውሽጢ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ወረዳታት ንዘጋጠመ ክስተት ራዕዲ መሬት ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ትማሊ ህፁፅ ኣኼባ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ህፁፅ ኣኼባ ኣባላት ማሕበረሰብ ሳይንስ ኣመራርሓታት ክልቲኦም ክልላትን ንኽሳተፉ ተገይሩ።

ካብ መስከረም 2017 . ጀሚሩ ኣካል ሓጓፍ ሽንጥሮ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዝተኸሰቱ ስግኣታት ራዕዲ መሬትን ንዝረትን ብፍሉይ ጠመተ ምክትታል ከምዘድሊ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣስፊሮም።

ምድግጋምን ስፍሓትን እቲ ክስተት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት ብዘለዎ ፅዕንቶ ምኽንያት ግቡእ ቕድመ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ብምእማን ብሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ቕድመ ምክልኻል ሓደጋ ውፅኢታዊ ብዛዕባ ምዃኖም ኣብቲ ኣኼባ ተገምጊሙ።

እቲ ህፁፅ ኣኼባ ክስተታት ራዕዲ መሬትን ዝተውሃቡ መልስታትን ብዝርዝር ብምግምጋም ኣብ ቐፃሊ ክውሰዱ ኣብ ዝግብኦም ስጉምትታትን ንጥፈታትን ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ዛጊድ ኣብ ዝተሰርሑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ቕድመ ምክልኻል ንዝተሳተፉ ኣካላት ብምልኦም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም